መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ayni Kulu Naka Tesfa Ygebir | ዓይኒ ኩሉ ንዓካ ተስፋ ይገብር

Added by Admin

ዓይኒ ኩሉ ንዓካ ተስፋ ይገብር (2)
ብበረከት ኣእዳውካ ይገብር(2)
ዘርኢ ዝዘርእ መሬት ሃሪሱ
ነጊዱ ዝበልዕ ተመላሊሱ
ፍረ ጻምኦም ንክሓፍሱ
ኩሎም ኣብ ኣእዳውካ ይትርኣሱ (2)
(ኣዝ)
ኣብ ስልጣን ዘለው መኳንንቲ
ንህዝብካ ብጥበቡ ዘማሓድሩ
ሰላም ንኽትሓድር ከተመኦም
ሓልዋትካ ይደልዩ ካባካ ኣምላኮም (2)
(ኣዝ)
ኣብ ምድሪ ኣብ ባሕሪ ንዝነግዱ
ኣብ ሰማይ ብነፋሪት ዝከዱ
ደው በለልና ኢሎም መጺኦም
ብሰላም ይምለሱ ነናብ ገዝኦም (2)
(ኣዝ)