Ayisilikyenin | ኣይስልክየንን
Added by Admin
ኣይስልክየንን ከቶ ውዳሴ መዝሙር ቅኔ
ብዙሕ ዝገበረለይ እግዚኣብሔር ኣብ ዘመነይ
ምሕረቱን ዓቢ ፍቅሩን ስሙ’ውን ኣየሕደገናን
ናብ ልሙእ ሸካ ለምለም ነባጊዑ ዝመርሃን
ሓያል’ዩ ናትና ንጉስ ንዘልዓለም ዝስራሕ
መጽሓፍ ዕደ ቀንጢጡ ማሕተም ሽግር ዝፈትህ
………ኣ.ዝ………..
ስሌና ተደፊኡ ፍጹም ዓወት ሂቡና
ስሌና ተሰቂሉ ብሂወት ኣንቢሩና
ብዙህ ‘ዩ ውዕለት ኣምላክ ተዘርዚሩ ኣይውዳእን
ንውዕለቱ ዝገልጽ ቃላት’ውን ኣይርከብን
……ኣዝ…….
ንስኻስ ሓያል ኢካ ዝመስለካ’ውን የለን
ኣብ ዝፋንካ ትነብር ጸኒዕካ ንዘልዓለም
ብትስፋ ኣሚን ናባኻ መጺአ ኣለኩ
ተመስገን ክበረለይ ንገሰለይ እናበልኩ
………ኣዝ…….
ፈሊካ ጸዊዕካኒ ጸጋካ ኣብዚህካለይ
ወትሩ ብንግሆ ምሸት ከመስግነካ ጎይታይ
ዝመጸይ ፈታውየይ ኢለ ክጽውዓካ
ኢየሱስ ወዲ ኣምላክ ለዊጡኒ ፍቕርካ
………ኣዝ………..
