Asteraya Gebriil | ኣስተርአያ ገብሪኢል
Added by Admin
ኣስተርኣያ ገብርኤል ግብተ
ወእንዘ ትፈትል ወርቀ ወሜላተ
ካብ ማእከል ደቂ ኣዳም ካብ ዘርኢ ናይ ዳዊት
ንማርያም መሪጹ ክትኮኖ መሕደሪት
ተሰዓን ትሽዓተን መላእኽቲ ገዲፉ
ንኣዳም ክድሕኖ ናብ ምድሪ ወሪዱ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ኣብ ቤተ መቕደስ ኮይና ሃሪ እንዳፈተለት
ገብርኤል ነገራ ሰማያዊ ብስራት
ብግሩም ሰላምታ ክትጠንሲ ኢኺ ኢሉ
ኣብ ማህጸን ሓዲሩ ተፈጺሙ ቃሉ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ካብ ክቡር ዝፋኑ ካብ መንበር ወሪዱ
ኣድሒኑና ጎይታ ስጋና ወሲዱ
ንጉሰ ናይ ነገስታት በጃ ኩሉ ዓለም
ንዓና መሲሉ ህያው መድሃኒ ኣለም
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ሰብ ጥበብ ሰሚዖም ንጉስ ከም እትወልደ
ህያብ ኣቕረብሉ ወርቂ ዕጣን ከርቤ
ናይ ነገስታት ህያቦም ምስሃቡ
ናይ ዳዊት ትንቢቱ ተፈጺሙ ሽዑ
ዮም ፍስሃ ኮነ
