Asadadi Nere (pawlos) | ኣሳዳዲ ኔረ *(ጳውሎስ)
Added by Admin
ኣስዳዲ ነይረ ክርስቲያን ዝቀትል
ጎይታይ ሓርዩኒ ኣብ ደማስቆ ሃገር
ዓይነይ ተዓወረ ብርሃን ከሊሉኒ
ሳውሳው ኢሉ ኣምላክ ጸውዒኒ(2)
ነቲ በሊሕ ነገር እንተ ረገጽካዮ
ንዓካ ይገደካ ክብል ሰሚዐዮ
ኢለ ተሓተትኩ ንስካ መን ኢካ
ነቲ ተሰድዳ ኣነ’የ ኣምላክ
ኣብ ዝወደቅክዎ ኣናኣንቀጥቀጥኩ
ጎይታይ ኣንታይ ክገብር ኢለ ሓቲተዮ
ምሳይ ዝነበሩ ድምጺ እናሰምዑ
ገለብዘይ ምርኣዮም ደንጼዎም ደው በሉ
ዓይነይ ተኸፊተን ኣይርእን ኢሉኒ
ደማስቆ መሪሖም ነዓይ ወሰዱኒ
ኣብ ቅድሚ ነገስታት ስም ኣምላክ ጸዊዖም
ናቱ ሕሩይ ኣቕሓ ገይሩኒ እግዚኣብብሄር
ኣናንያ ዝበሃል ወዲ መዝሙር ጎይታ
ስም ኣምላክ ጸዊዑ ዓይነይ ኣብርሃለይ
