Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Anketse Birhan | ኣንቀጸ ብርሃን

Added by Admin

ኣንቀጸ ብርሃን ድንግል ማርያም /2/
ሰማያዊ ዝፋን ናይ መድሃኒ ኣለም /2/
ሰማይ ኮነ ምድሪ ከቶ ዘይጸርዎ /2/
አረ ንመለኮት ከመይ ትጸርዮ /2/
መጋርጃ ሓዊ ኣበይ ተጋርደ /2/
ብዘደንቕ ጥበብ ምሳኺ ተዋሃሃደ /2/
ናይ ኩርቤል ተምሳል ኣደ ብርሃን ኢኺ /2/
ሰማያዊ ንጉስ ዝወጸ ካባኺ /2/
ናይ መለኮት ዝፋን ድንግል ብምኳንኺ /2/
ሚካኤል ገብርኤል መጺኦም ለመኑኺ
ሩፋኤል ራጉኤል መጺኦም ሰገዱልኺ
ኽብሪ ከም ናይ ሙሴ /2/
ሕያውነት ከም ኣብርሃም
ጥበብ ከም ሰለሙን
ንሃገርና ኤርትራ /2/ ሃባ ኦ ጎይታና /2/