Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Anes Beti Gibrey | ኣነስ በቲ ግብረይ

Added by Admin

ኣነስ በቲ ግብረይ ድኹም ኮነ እየ (2)
ሕዘንለይ ድንግል ናባኺ መጺኣ (2)
እቲ ሓዊ ባሕሪ ብዓይነይ ከይሪኦ
ንቅዱስ ሚካኢል የሕልፎም በልዮ (2)
ኣዝ………
ናይ ዳዊት መሰንቆ ናይ ኤልያስ መና
ናይ ናሆም መድሃኒት ንዒ ብደመና (2)
ኣዝ………
ክደክም ከለኹ ንስኺ ኢኺ ሓይለይ
ናይ ልበይ መድሓኒት ረዳኢት ምርኩሰይ (2)
ኣዝ………
እነብዕ ኣለኩ ኣብ ቅድሜኺ ኮይነ
እልምነኪ ድንግል በደለይ ኣሚነ (2)
ኣዝ………
ዘይውዳእ ምሕረት ምስ ወድኺ ኣሎ
ነቲ ዝኣምነኪ ሰላምኪ ሃብዮ (2)