Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ane’win Kiwidis | ኣነ’ውን ክውድስ

Added by Admin

ኣነ’ውን ክውድስ ብምስጋና
ኦ ድንግል ማርያም ብምስጋና
ምስጋና ኣሎኒ ጌና(2)
ንድንግል ምስጋና

ምልእተ ጸጋ ጸዋሪት መለኮት
ወላዲት ኣምላኽ ልዕሊ መላእክት
ኣምላኽ ኢዩ’ኮ ተገሊጹ መሲሕ
ልዕሊ ኣእምሮ ኮይኑ ድንቂ ስራሕ
ዘድንቅ ስራሕ ዘድንቅ ኣምላኽ ሰብ ኮነ
>> ዘይውሰን ፍጹም ተወሰነ
>> ኣብ ድንግል ተረኽበ ልደቱ
>> ፈጣሪ ኮነ ከም ባሮቱ
…………ኣዝ………..
ዕጹብ ግሩም ኢዩ እቲ ናትኪ ውህበት
ኣደን ድንግልን ብዘይ ነውሪ ሓጢኣት
ኣነ ክምሰጥ ሕልናይ ሰቂለ
ንምስጋናፍጹም ተላዒላ
ምስጋና ኣሎኒ ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ
>> ፍቅርኪ ድንግል ዘሕደረለይ
>> ኣብ እዝኒ ኣሕዛብ ዝበጽሕ
…….ኣዝ………
ካበት ኮነለይ ዜናኺ ክነግር
ቅድስናኺ ብኣፈይ ክምስክር
ግናኸ ኣይክእሎን በየን ልሳነይ
ንውዳሴኪ ይሓጽረኒ ቃለይ
ኣነስ ጽሒፈ ለውዳሴኪ እመ ኢሃልቅ ሰብ ኮነ ጥቀ
ዝናመ ክረምት ቀለመ ወሰማየ ረቀ
……..ኣዝ……..