Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ane Men’ye Ilna | ኣነ መን’የ ኢልና

Added by Admin

ኣነ መን’የ ኢልና ርእስና ንመርምር
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ሓጢያትና ንዘኽር
በደልና ኣሚኒና ርእስና ኣትሒትና
በደልና ኣሚኒና ንለምን ኣምላኽና
ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ብኣና ተጣሒሱ
ብዝሙት ብሓሜት ኣኻልና ረኺሱ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ናይ ስጋ ጥቕሚ ሪኡ ልብና ጸኒዑ
ሞት ኽሳብ ዝወስደና ንምንታይ ዘንግዑ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ንንስሓ ዝኸውን ካብ ሃበና ዕድመ
ንመለስ ናብ ኣምላኽ ብርሃንና ከይጸልመተ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ኣሞጽ ኣብ ትንብቱ ከም እተነበዮ
ነብስና ከይትጠሚ ቃሉ ኩሉ ንስምዓዮ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ናይ ጻድቃን ሰማእታት ናይ ድንግል ጸሎታ
ኣይፈለየና ኣብ ቅድሚ ልዑል ጎይታ
- - - - - - - ኣዝ - - - - -