መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Amlak Seb Khone | ኣምላክ ሰብ ኾነ

Added by Admin

ኣምላኽ ሰብ ኮነ ስብ ኮነ ኣምላኽ
ተፈጺሙ’ዩ ብድንግል ማርያም
ናይ ኣብ መርዓቱ ናይ ወልድ ኣዲኡ
ናይ መንፈስ ቅዱስ ጽርሃ ቤቱ
ኣብ ሰማይ ኾይኑ ኣብ መሪጽኺ
ወልድ’ውን ንባዕሉ መሕደሪ ጌርኪ
መንፈስ ቅዱስ’ዩ ዘጽለለኺ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ካብ ስለስቱ ኣኻል ወልድ ሓደ ኣካል
መጺኡ ወሪዱ ብዝኣተዎ ቃል
ተጠኒሱ ከሎ ወልድ ካብ ማርያም
ኣይተፈልየን ካብ ሰለስቲኦም
ተኣምር ጌሩ ድውይ ፈዊሱ መድሃኔ ኣለም
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
በዚ ድንቂ ምስጢር በሉ ግሩም
ምስጋና ኣቕርቡ ንዘለኣለም
ይፍለጥ’ዩ ብስነ ፍጥረት
ፈጣር ኣለም እግዚኣብሄር ቃል
ደስ ይበልኹም ደስ ይበለና በሉ ዕልል