መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Amlak Kdusan I/r Ymesgen | ኣምላክ ቅዱሳን እ/ር ይመስገን

Added by Admin

ኣምላኽ ቅዱሳን /2/ እግዚኣብሔር ይመስገን /2/
ጽቡቕ ጌሩለይ’ዩ ብምሕረቱ ርኢዩኒ
ንኣምላኽ ጸዊዐ እንታይ ጎዲሉኒ
ውሻጠይ መሊኡ ብዘይጎድል ዘይቲ
ጥርሐይ ሸፈንኻ ብበረኸት ሃብቲ
ኣምላኸይ ጉልብለተይ ዓወተይ ንስኻ
ደው ኢለ ይኸይድ’ቲ ድኹም ወድኻ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ሽመይ ተሓቲው ሸመይ ተቐይሩ
ልበይ ብምስጋና ንዓኻ ዘሚሩ
ዓው ኢሉ ልሳነይ ኽነግር ኽብርኻ
ክብሪ ረኺበየ መሕደሪ ኣብ ገዛኻ
- - - - - - - ኣዝ - - - - -
ስቕ በሊ ሜልኾል ኣለኒ ውዕለታ
ምግልጋል ይሓይሽ ንሰራዊት ጎይታ
ንኣፈይ ኻብ ስቕታ ኣነ ክኸልኦ እየ
እግዚኣብሔር ዓቢ ኢዩ ኢለ ክዝምር’የ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
ኣምላኸይ ንስኻ በረኸት ናይ ገዛይ
መጎሰይ ማዕርገይ ንኣገልግሎተይ
ሓዘነይ ቀይርካ ሓጎስ ጌርኻለይ
ኣምላኸ ቅዱሳን ናይ ዘለኣለም ኽብረይ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -