Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Amen Igziabher Kebirulna | ኣሜን እግዚኣብሔር ከቢሩልና

Added by Admin

ኣሜን እግዚኣቢሄር ከቢሩልና
ምድሪ ሽፈና ብምስጋና
እቶም ዘስመርዎ መጎሱ ለበሱ
ብክብሪ ተመልኣት ትቅዱስ መቅደሱ
እልል(2) በሉ ድምጽኩም ይሰማዕ
ብእልልታ ንውርሳ ንእያሪኮ ንብቃዕ
ኣባና ምስ ፈርኣር ወሓይዝ ሶርያ
ፍጹም ኣይከኣለን ናይ ምድሓን ኣርኣያ
ነብይ ናይ እግዚኣቢሄር ኤልሳእ ተዛረበ
ብፍቅሪ ኣምላኩ ንእማን ተመሰጠ
ዘመን ዘይልውጦ ዓመታት ኣዋርሕ
ሎሚ ኣብ ሰማያት ንስካ ትፍርሕ
ናይ ገዳም ሓለውቲ የመስግኑ ንዓካ
ኣብ መስውእ ወርቂ ዕጣን ይመልኡልካ
ሜዳ ምስ ጎቦታት ብወንጌል ተሓርሰ
ጣኦት ተሰበሩ እግዚኣቢሄር ነገሰ
ክሰበክ’ዩ ጌና ናይ መንግስቱ ዜና
ስለዝቀረበ ምጽኣት ናይ ጎይታና