Amanawit Ade | ኣማናዊት ኣደ
Added by Admin
ኣማናዊት ኣደ ድንግል እያ ማርያም
ናይ ቅዱሳን ኣኽሊል ህይወት ዘልኣለም
ድሕነት እተውህብ ናይ ዘልኣለም ህይወት……
ናትና ተስፋ’ያ ኪዳነ ምሕረት …………. (2)
እሳተ መለኮት ሓቒፋ ዝተሰከመት
ተስፋ ናይ ሓጥያትና ድንግል ኢያ ቅድስት
ኣይትፈለየትን ካብ መስቀለ ክርስቶስ…
ንዓና ተዋሂባ ብዮውሃንስ…………… (2)
ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነብሳ ነሲዑ
ተዋሂዱ ኣምላኽ ንዓና ከድሕን
ናይ ሓጥኣን ተስፋ መንጺሂት ናይ ዓለም…
ናይ ድሕነት መርከብ ጽዮን ማርያም….. (2)
