መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Aman Beaman | ኣማን በኣማን

Added by Admin

ኣማን በኣማን (3) መርዓዊ ሰናይ
መርዓቱ ሰናይት ኣማን በኣማን
እንቋዕ ሓጎሰና እንቋዕ ሓጎሰኹም
ብስጋ ወደሙ ቃልኪዳን ኣሲርኹም
ኣማን በኣማን
.ናይ ኣምላክ ትዕዛዛት ንኹሉ ፈጺምኹም
ብፈሪሃ እግዚኣብሔር ክትነብሩ ወሲንኹም
ኣማን በኣማን
ብስርዓተ ተክሊል ሓደ ንዝኾንኹም
ከም ኣብርሃም ሳራ ኣምላክ ይባርኩም
ኣማን በኣማን
ኣምላክ ምስ ፈጠረ ንኣዳም ኣቦና
ምእንቲ ክትሕግዞ ንሔዋን ፈጠረ
ኣማን በኣማን