Aman Beaman Menigiste Slase | ኣማን በኣማን መንግስተ ስላሴ
Added by Admin
ኣማን በኣማን (4)
መንግስተ ስላሴ ዘልኣለም
በቲ ቸርነትኩም ………ኣምን በኣማን
ንኣለም ትምግቡ ……….ኣማን በኣማን
እስኪ ነመስግነኩም ኣምናኩ ንሙሴ
ናይ ኣብርሃም ኣምላክ ናይ ኣብርሃም ስላሴ
(ኣዝ)
ምሕረትኩም ዝበዝሓ ………..ኣማን በኣማን
ርሑቅ ማዓት ………………ኣማን በኣማን
ምሕረት ልኣኩልና ኣጋዕዝተ ዓለም
ንዓኩም ለሚኑ ዝሳነ የለን
(ኣዝ)
ኣብ ግዜ መከራ ……………….ኣማን በኣማን
ኣብ ግዜ ስቃይና ……………….ኣማን በኣማን
ኣድሕኑና ንዓና ካብ ኢድ ኣጋንንቲ
መልኣክ ልኣኩልና ሊቀ መላእክቲ
(ኣዝ)
ናይቲ ለዋህ ኣብኡ …………..ኣማን በኣማን
ገዛ ኣብርሃም ………………ኣማን በኣማን
ከም ዝባረክዎ ሰለስቱ ስላሴ
ማህበርና ቀዱሱ ኣምላኩ ንሙሴ
(ኣዝ)
