Aman Beaman Amanuel Temesgen | ኣማን በኣማን ኣማኑኤል ተመስገን
Added by Admin
ኣማን ብኣማን /4/ እህ
ኣማኑኤል ተመስገን መድሃኔ ኣለም ተመስገን
ናይ ሰጋ ስራሕ እናፈጸምኹ
ካብ ሕጊ ኣምላኽ ፍጹም ረሓቕኩ
ሓጢያተይ ርኡ ዘይቀጽዓኒ
ንኽንሳሕ ዕድመ ህቡኒ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ግደፍ ዓለም ኣይተታልልኒ
ድሕሪ ሕጅስ ቻው ደሓንኹኒ
ብንእስነተይ ናብ እግዚኣብሄር
ምቕራብ መርጸ ኻብ ዓለም ነገር
- - - - - -- - - ኣዝ - - - - - -
ብሓጢያት ዓለም ዝተጸመድኩም
ብርሃን ዕድመኹም ኸይጸልመተኹም
ንሓጢያት ዓለም ኣብኡ ገድፍኩም
ኣገልግሉ ንሃይማኖትኹም
- - - - - ኣዝ - - - - -- - - -
ኣብ ቅዱስ እምነትና - - - - ንጽንዓና
ምእንቲ ክንወርስ ተስፋ መንግስተኻ
- - - - ኣዝ - -- - - - - - -
