መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Amaldena Intebelnaka (kdus Gebirel) | ኣማልደና እንተበልናካ *(ቅዱስ ገብርኤል)

Added by Admin

ኣማልደና እንተበልናኻ ሰምዓና ሕዘነልና /2/
ኣጸናንዓና ኣጀኹም በለና ገብርኤል ናትና መጸግዒ ኣለና
እግዚኣብሄር ባዕሉ ክብሪ ዝሃበኻ
ንተልእኾ ንክትፍጽም ኣምላኽ ዝሾመካ
ከም ሰለስቱ ህጻናት ዝጸውዑ ንዓኻ
ኦ ገብርኤል ንዓና’ውን ሓልወና ኢኻ
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - - - -
እምነት ኣለና እንዳበልና ንትግባረ ገዲፍና
ሊቀ መላእክት ንክንሓስብ ርዳእ ሓግዘና
ንመላእኽቲ ኩሉ ጠጠው ዘበልኻዮም
ሓያል መልኣኽ ንሰኻ ኢኻ ጽንዑ ዝበልካዮም
- - - - - -- ኣዝ - - - - - - - -
ንሕና’ውን ንኣምን ብኣማላድነትካ
ዝተዋህበካ ጸጋ ኣምላኽ ሓይልና ንስካ
ናይ ብስራት መልኣኽ ተባሂልካ ኢኻ
ኣስመዓና ንገረና’ቲ ናይ ሓጎስ ቃልካ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
ንኤርትራ ኣድሕን ንተዋህዶ ሓሉ
ሊቀ መላእክት በል ቁመልና ሴፍኻ ኣዳሉ
ስራዊትካ ኩሎም የጸናንዑና
ዘውትር ኣይትርሓቕ ስላምኻ ሃበና