Alfan Omegan | ኣልፋን ኦሜጋን
Added by Admin
ኣልፋን ኦሜጋን ፈጣሪ ዝኾንካ
ብኢድ ከሓድያን ንፍርዲ ቀሪብኻ
ተሳቒኻ ተገፍዕካ ብጽፍዒት ተሃሪምካ
እንዳገላትዑኻ ኦ ጎይታ ይብሉኻ
ጽድቂ ስለዝገበርኻ ብወንጀል ተኸስስካ
በጃ ኣዳም ኢልካ መከራ ኣሕሊፍኻ
- - - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
ቅዱሳን የእዳውካ ንድሕሪት ተኣስሮም
ከም በጊዕ አጎስሱኻ ጎይታ ንኽትመርሖም
ኩሉ እትፈልጥ ኣብ ኹሉ ዘለኻ
ገጽካ ተኸዊሉ ኣብ ባይታ ወዲቕካ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -- -
ኣብ’ቲ ኣደባባይ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ
ኣሕሊፎም ሂቦሙኻ ብኽፉእ ብምኽሳስ
ካብ ሃና ቀያፋ ኣፍደገ ካህናት
ብሄሮዶስ ክትግረፍ ንኽትንከራተት
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ማህረምቲ ሕማምኻ ንሱ ከይኣከለኻ
ኣብ መስቀል ክትውዕል ኣምላኽ ተፈሪድኻ
ሳዶር ኣላዶር ደናትን ኣዴራ
ደሊዮም ኣምጺኦም ናይ ሸንኻር መኸራ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
ሓሙሽተ ሽንካራት ቅንዋተ መስቀል
ኣዝማድኻ መጺኦም ስጋኻ ንምቑሳል
ናይ ሰላም ኣቦና ኣፍልብኻ ተወጊኡ
ብመስማር ክሸንከር ኢድኻ ተዘርጊሑ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - --
መካናት ኣይሁድ ተላገጹ ብኣካ
ጥፍጣፍ ጌሮሙሉ ነቲ ጸሓይ ገጽካ
ንዓና ደቅኻ ሓጥኣት ዘድኸመና
