መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Aklilna Iki | ኣክሊልና ኢኪ

Added by Admin

ኣክሊልና ኢኪ ውህበትና ኢኪ
ትምክህቲ ናትና ጸግዕና ኢኪ
ስምኪ ጸዊዕና ካብ ሞት ድሒና
ብልማኖኪ ቅንዕ’ውን ኢልና

ፍረ መላእኪ ጽብቕቲ ተኽሊ
መፈወሲትና ናይ ህይወት ጠሊ
ብድንግል ባና ጸልማት በሪሁ
ክብርኪ ርኢና ብርሃን ደሚቁ
………ኣዝ………..
ዕትሮ ናይ ኤሳው ጨው ዝመልኣኺ
ዓለም ድሒና ማርያም ብኣኺ
ተለዊጥና ኢና ሓደስቲ ኮይና
ንክብሪ ድንግል የኣእዳውና ኣልዒልና
………….ኣዝ……..
መሰረታትኪ ዝተቀደሱ
ክብሪ ምስ ግርማ ጽድቂ ለቢሱ
ጥንቲ ዘይብልኪ ጽዮን ኣዴና
ብወድኪ ጸዳል ዓለም በሪሃ
………ኣዝ……..
ውዳሴ ማርያም ኣፍና መሊኡ
ክብርኪ ድንግል ኣብ ልብና ኢዩ
ማርያም ማርያም’ዩ ሓዲሽ ምስጋና
ንኣደ ንጉስ ወትሩ ይግባእ
…………ኣዝ…….

ለምንልና ድንግል