መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ahzabin Hizibin | ኣሕዛብን ህዝብን

Added by Admin

ኣህዛብን ህዝብን ዝተራኸቡልኺ
መና ኻብ ሰማያት ኣምላኽ ዘውረደልኺ
ሰብን መላእኽትን ዝተራኸቡልኺ
ናይ ቅዱሳን ሕይወት ድንግል ማርያም ኢኺ
ንቆጽሊ በሊዓ ሔዋን ዘምጽኣቶ ሞት
ብፍረ ማህጸንኺ ተረኺቡ ሕይወት
ሰአሊ ለነ ቅድስት ምሕረት ለምንልና
ካብ ፍቁር ወድኺ ካብ ልዑል ፈጣሪ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ያቆብ ኣብ ሎዛ ብሕልሙ ርእዩኺ
ሰብን መላእኽትን ዝተራኸቡልኺ
መቕረቢት ናብ ኣምላኽ ጽዮን ማርያም ኢኺ
ኣማናዊት ኪዳን ጽዮን ማርያም ኢኺ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ውዳሴ ናይ ኤፍሬም ዜማ ቅዱስ ያሬድ
ምልእተ ጸጋ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት
ብብስራት ገብሪኤል ኣምላኽ ዝወለድኺ
ንግስቲ ኣርያም ምስጋና ንዓኺ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -