መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Adena Maryam | ኣዴና ማርያም

Added by Admin

ኣዴና ማርያም ንልምነኪና
ብሓዘን ብብኽያት ቅድሜኺ ወዲቕና
ኣዴና ማርያም ቁሊሕ በልና (2)
ብዙሕ በደልኩ ሓጢኣት ገበርኩ
ሕጅስ ያኽለኒ ብዙሕ ተጣዓስኩ
ኣደየ ማርያም ንዓኺ ለምንኩ
ከተማልድኒ ቅድሜኺ ወደቕኩ
ኣዝ….
ሓዘነይ በርቲዑ ንብዓት እንተ ነባዕኩ
ኣብዛ ጸልማት ዓለም በይነይ ከርተት በልኩ
ኣትዓርቕኒ ማርያም ናብ ክቡር ወድኺ
የለን ዝሳኣኖ ለሚኑ ንዓኺ
ኣዝ….
ኣብ ግዜ መከራይ ኣብግዜ ስደተይ
ንዓኺ ዘከርኩ ምልእተ ጽሃይ
ንዓኺ ሒዘ ድንግል ዝስዕረኒ የለን
ኣማልድኒ ኣደ ናብ መድሃኒ ዓለም
ኣዝ….
ማዕበል በርቲዑኒ ክሰጥም እየ ኣነ
ፈተና በዚሑ ደጋፊት ሲኢነ
ኣደ ኣማኒኤል ቀልጢፍኪ ብጽሕኒ
ካብዛ ጸልማት ዓለም ነዓይ ኣውጽእኒ
ኣዝ….
ኣነስ ኣመንኩዎ ኣበሳይ በደለይ
ኣተዓርቕኒ ማርያም ምሕረት ኣግብርለይ
ንዓኺ ዝሃበኒ ልዑል ክቡር ጎይታ
ምሕረት ለምንለይ ንዓይ ንኽርታታ
ኣዝ….
ሕጅስ ክመጽእ እየ ናባኺ ድንግል
ከተማልድኒ ምስ ቸር ኣማኒኤል
ናብራ ጸሊአዮ ኣብ ዓለም ኮለል
ጨርቅኺ ሒዘ ድንግል ናባኺ ክምህለል
ኣዝ….