Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ade Alatni Kab Chinki Mekera | ኣደ ኣላትኒ ካብ ጭንቂ መከራ

Added by Admin

ኣደ ኣላትኒ ኣነስ ኣደ ኣላትኒ
ኣብ ጭንቂ ኣብ መኸራ ተጸናንዓኒ
ኣደ ኣላትኒ ኣነስ ኣደ ኣላትኒ
ዝተቐነየላ እዝራ ብመሰንቆ
ኣደ ምኻና ጽሬታ ፈሊጡ
ዘመስገና’ውን ዳዊት ብበገና
ኣይትፍለይን ኣደይ ንሳ’ያ
- - - - ኣዝ - - - - -
እሓዝን እበኪ ኣብ ቅድሚኣ ወድቐ
ኣጆኻ ኢላትኒ ኣእትያ ኣብ ሕቑፍኣ
ኩሉ ሻዕ ትበኪ ንሓጥኣን
ትልምን ኢያ ኹሉ ሳዕ ናብ ወዳ /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ናይ ኣዳም ተስፋ’ያ ማርያም ኣዴና
ዝሓደረላ ክርስቶስ ጎይታና
ትልምን’ያ ሎሚ ንዘለኣለም
ኣደ ኣምላኽ’ያ ናይ ፍጥረት ስላም /2/
- - - - - - ኣዝ - - - - -