መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ade Alatni Ab Meskelu Koynu | ኣደ ኣላትኒ ኣብ መስቀሉ ኮይኑ

Added by Admin

ኣደ’ላትኒ ኣነስ ኣደ’ላትኒ
ኣብ መስቀሉ ኾይኑ ጎይታ ዝሃበኒ
ኣደ’ላትኒ ንሕናስ ኣደ’ላትና
ኣብ መስቀሉ ኾይኑ ጎይታ ዝሃበና
ድንግል ማርያም ብጽእቲ ኣዴና
ናይ ሓደራን ቃል ኪዳንን ደቃ ኢና
ናይ ሓደራን ቃል ኺዳንን ኣዴና ኢያ
ንሕናስ ኣደ’ላትና ኣይኾንናን ዘኽታማት
መልእልተ ፍጡራን ኪዳነ ምሕረት
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ኣብ ግዜ ጭንቅና ተጸናንዓና
ኣብ መከራ ግዜ እትሕልወና
ኣብ ጎንና ኾይና ተጸናንዕና
ክንበኺ ከሎና ኣብ እግራ ወዲቕና
ኣብ ሕቑፋ ሓቑፋ እትእብደና
ንብዓትና ሓንሲሳ ተረስርስ ልብና
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ዓሳ ብዘይ ማይ ኢዩ ዝኽሕድ ንዓኺ
ክቃጸል ይነብር ኣብ ዘይጠፍእ ሓዊ
ኣይቆርጽን ተስፋ ድንግል ማርያም ሒዘ
- - - - - - - - - ኣዝ - - - - - -- -
ንዝኣመንናኺ ድንግል ሓደራኺ
ካብ ገሃነም እሳት ኣድሕንና ኢኺ
ኣተዓርቕና ምስ ፍቁር ወድኺ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -