Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ab Zbane Kirub | ኣብ ዝባነ ኪሩብ

Added by Admin

ኣብ ዝባነ ኪሩብ ዝቅመጥ ንሱ’ዩ
ብእሳተ ነበልባል ዝተሓጽረ ስፍርኡ
ዘምሩ ንእግዚኣብሔር ንጎይታ ዘምሩ
ዝኸበረ እዩ ኣብ ሰማይ መንበሩ

ኢሳያስ ርእዩ ብጣዕሚ ፈርሐ
ኣኮቴት ስብሃት ንጎይታ ኣብጽሐ
ፍጥረታት ሰማይ ኩሎም ይርዕዱ
ስሙ ክጽዋዕ ቅድሚኡ ይሰግዱ
…….ኣዝ…….
ከም ብርቱዕ መብረቅ ስሙ ክጥቀስ
ነዚ ሰሚዕና መንፈስና ይሕደስ
ፍቅርካ’ዩ በል ፍቀደልና
ቤትካ ክንኣቱ ንሕና ሓቢርና
………ኣዝ……..
ኣብ ላዕለዋይ ሰማይ ካብቲ መንበርኻ
ኩሎም ይሰግዱ የመስግኑካ
ከመስግኑካ ደስ እናበሎም
ይዝምሩልኻ ሓያል ኢኻ ኢሎም
………ኣዝ………..
ቅኔ ውዳሴ ናይ ያሬድ ካህን
ኣብ ላዕለዋይ ሰማይ ካብ መላእክት
ይዝምሩሉ ንወልደ ማርያም
ቅዱስ ኢኻ ንዘልዓለም
………ኣዝ………