Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ab Yeman Dew Ila | ኣብ የማን ደው ኢላ

Added by Admin

ኣብ የማን ደው ኢላ ምሕረት መሊኣ
ኣማላዲትና ኣዴና
ካብ ዝምሕር ወዳ ንኽትምሕጸን ንሓጥኣን (2)
ነቲ ሓዊ ባሕሪ ከይርእዮ ብዓይነይ………ንሓጥኣን
ሓዛኒተይ ድንግል ደው በሊ ኣብ ጎድነይ……ንሓጥኣን
ኣብ ቅድሚ መንበሩ ደው ኢልኪ የማኑ……ንሓጥኣን
ኣዝ…..
ንመድሕን ወድኺ ንዑ ኣሚነ………ንሓጥኣን
በማላድነትኪ ብኣኺ ኣሚነ………….ንሓጥኣን
ኣብ ቅድሜኪ ወዲቑ ሓዚኑ ልበይ….ንሓጥኣን
ወድኺ ኣድሒኑኒ ሂዙ ነእዳወይ…….ንሓጥኣን
ኣዝ…..
መመክሒ ኣብ ምድሪ እዃ ዘይብለይ………ንሓጥኣን
ምስ እትፍትነኒ ዓለም ብስጋይ……………..ንሓጥኣን
ኣብ ሰሌዳ ልበይ ፍቕርኪ ተሳኢሉ………ንሓጥኣን
ንልበይ ይምለሶ ካብ ዓለም መንጢላ………ንሓጥኣን
ኣዝ…..