Ab Tihti Memihrey | ኣብ ትሕቲ መምሕረይ
Added by Admin
ኣብ ትሕቲ መምህረይ ኣእዎም ኣብርሃም ዝረኣዮ
ናይ ስላሴ ጸጋ ፍሉይ በረከት እዩ
ነቲ ቅንዕንኡ ንግስንኡ ርእዮም
ስላሴ ባሪኮም ኣብ ገዝኡ መጺኦም
ስላሴ ብኣካል ብሰለስትነቶም
ንኣብርሃን ተገልጹ ብዘይ ውዳእ ፍቅሮም
ኣዝ
ብኣምሳል ኣጋይሽ መጺኦም ኣብ ቤቱ
በረከት ሂቦሞ መቂራ ሂወቱ
ንፍቅሩ ለውሃቱ ስላሴ ርእዮም
ኣብ ግሩም ሂወቱ ተሃደሰ ኣብርሃም
ኣዝ
ድኻ ብምፍቃሩ ሰይጣን እንተቀንኣ
ኣብ ገዝኡ መጺኦም ስላሴ ባሪኮም
ንስሉስ ቅዱስ ዳስ ሰሪሒሎም
ናይ ኣብርሃም ለዋሃት ጋሻ እዩ ገይርዋም
ኣዝ
እቲ መፈጸምታ ፍሬ ለዎህቱ
ፍታዊ ምዃኑ እዩ ናይ እግዚኦ ኣጋእዝቲ
ንዲያብሎስ ሲዒሩ ጽድቂ ዝባሃገ
መወዳእቱኡ ክምቅር ብኣብርሃም ተፈልጠ
ኣዝ
