መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ab Tihti Igirkhi | ኣብ ትሕቲ እግርኺ

Added by Admin

ኣብ ትሕቲ እግርኺ ኣህዛብ ክሰግዱ እዮም
እቶም ዝነዓቑኺ ዝጸልኡኺ ኩሎም
ጸጋኺ ኣሚኖም ክብርኺ ኩሉ
ድንግል ለምንልና ዕረቕና ክብሉ (2)
ንኹሎም ቅዱሳን ክትግለጺ ኢኺ
ርግቢት ናይ ሰላም ኣንቲ ተኽለ ወይኒ
ሓጥያት ዓለም በደል ዘይብልኪ ንጽህቲ
ናይ ምስጋና ኣደራሽ ናይ ኣብ ውዳሴ ኢኺ
ኣዝ…..
ዝብን ኣህዛብን ሰገዱ ብፍርሃት
ጸጋ ምስ በረከት ኩሉ ንዝተዋህበት
መድሃኒት ናይ ሰባት ምልክት ናይ ድሕነት
ንኣምላኸ ያዕቆብ መሕደሪት ዝኾነት
ኣዝ…..
ንጽዮን ክበብዋ ከም ዝበለ ኣቦና
ናትና ሞጎስ ግርማ ኩኒ ኣብ ማእከልና
ጸጋን በረኸትን ኣውህብና ኢኺ
ሰላም ለኪ ኢልና ክንሰግድ ንዓኺ
ኣዝ…..