Ab Tihti Fetari | ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ
Added by Admin
ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት (2)
መን ኣሎ ከማኺ ድንግል ኣብ ዓለም ንጽህት (2)
ኦ! ድንግል ማርያም
መመኪሒተይ ኢኺ ናይ ዘልኣለም
መዕረፊተይ ኢኺ ናይ ዘልኣለም
ኣዝ….
ኣምላኽ ንመሕደሪ ፍጹም ሓርዩኪ (2)
ጽዪን ዝተባሃልኪ ሃገር ድንግል ንስኺ ኢኺ (2)
ኣዝ….
ብሓሳብኪ ድንግል ድንግል ብስጋኺ (2)
ካብ ኩሉ ፍጥረታት ንጽህት ተምሳሊት ዘይብልኪ (2)
ኣዝ….
ንዘልኣለም ፍቕሩ ፍጹም ዘይጽገብ (2)
ካብ ኣስማት ኩሉ ላዕሊ ጥዑም ድንግል ናትኪ’ዩ(2)
ኣዝ….
ብእዝራ መሰንቆ ብዳዊት በገና (2)
ይግባኪ’ዩ ድንግል ንዓኺ ምስጋና (2)
ኣዝ….
እስከ ክሕዝ’ሞ ደጋፊት ምርኩሰይ (2)
እስከ ክሕዝ’ሞ ናተይ ዓንጋሊተይ
ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድንግል ከቅንዕ’የ ጉዑዘይ (2)
ኣዝ….
ንፍርዲ ክጽዋዕ ኣነ በደለኛ (2)
ናተይ መማሕጸኒት ድንግል ለምኒ ስሌና (2)
ናትና << << << <<
ኣዝ….
