Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ab Tihti Aiwam Memire | ኣብ ትሕቲ ኣእዋም መምእሬ

Added by Admin

ኣብ ትሕቲ መምእሬ ኣእዋም ኣብርሃም ዝርእዮ
ናይ ስላሴ ጸጋ ፉሉይ በረከት’ዩ
እዝ
ነቲ ቅንዕንኡ ልግስንኡ ርኣይዎ
ስላሴ ባረኮም ኣብ ገዝኡ መጺኦም
ስላሴ ብኣካል ንሰለስትነቶም
ንኣብርሃም ተገለጸሉ ብዘይ ውዳእ ክብሮም
እዝ
ብአምሳል ኣጋይሽ መጺኦም ኣብ ቤቱ
በረከት ሂቦም መቂራ ሂወቱ
ንፍቅሩ ለዋህቱ ስላሴ ርዮም
ኣብ ግሩም ሂወቱ ተሓደሰ ኣብርሃም
እዝ
ድካ ብምፍቃሩ ሰይጣን እንተቀንአ
ስላሴ ባረኮም ኣብ ገዝኡ መጺኦም
ንስሉስ ቅዱስ ዳስ ሰረሂሎም
ናይ ኣብርሃም ለውሃት ጋሻ’ዩ ገይርሎም
እዝ
ነቲ መፈጸምታ ፍረ ለውሃት
ፈታዊ ምዃኑዩ ናይ እግዝኣ ኣጋእዝት
ንድያብሎስ ጽዒሩ ጽድቂ ዝበሃገ
መወዳእቱ ክፍጸም ብኣብርሃም ተፈለጠ
እዝ