መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ab Semay Nigziabher Misgana | ኣብ ሰማይ ንእግዚኣብሔር ምስጋና

Added by Admin

ኣብ ሰማይ ንእግዚኣብሔር ምስጋና
ኣብ ምድሪ ንሰብ’ውን ሰላም
ተወሊዱልና መድሃኒ ዓለም (2)

ቲ ናይ ሞት ዘመን ዕድሚኡ ኣብቂዑ
ቲ ብርቱዕ ማዕበል ምዕራፍ በጺሑ
ካብ ድንግል ማርያም ጎይታ ተወሊዱ
መንደቅ ጸላኢ ክፈርስ ካብ ፊቱ
….ኣዝ…
ህይወት ኣዋጁ ናጽነት ሰላም
ስለ ዝተወልደ ኣብ ቤተልሄም
ናይ ሰማይ ዜማ ተሰምዐ ኣብ ምድሪ
ብኣፍ መላእክቱ ንእግዚኣብሔር ክብሪ
…….ኣዝ…….
ምህረት ኪዳኑ ኣይረስዐን ቃሉ
ካብ ኣፍ ዝወጸ ናይ ምድሓን ውዕለቱ
ጽኑዕ ማህልኡ ጣዕሳ’ኳ ዘይብሉ
መድሕን ኣምላክና ዕልል ንበለሉ
…….ኣዝ…….
መጸናንዒ ሰሚዕና ኣብ ኤፍራታ
ገጹ ርኢና ናይ ፍጥረታት ጎይታ
ኣብ ዝቆመሉ ዝሓድረሉ ቦታ
ኣብ እንባ ጽዮን ክንሰግዱ ኣብ ቤቱ
….ኣዝ…..