Ab Lili Demena | ኣብ ልዕሊ ደመና
Added by Admin
ኣብ ልዕሊ ደመና ከቶ ዝመላለስ
ናይ ሓዊ ማዕበል ቅድሚኡ ዝፈስስ
ሽሙ መን ይባሃል ኣበዩ ሃገሩ
ኣብ ሰማይት ዘሎ ኣርያም መንበሩ
ሽሙ እግዚኣብሔር’ዩ ጓይታ ጸባኦት
ፍጥረታት ዝግዝእሉ ንዘልኣለም
ኣሮን መልከ-ጻዴቅ ጴጥሮስ ካህናት
ዝሰግድሉ ንጉስ ግሩም ንፍጥረት…... (ኣዝ)
ከም ሆቦብላ’ዩ ናይ ድምጹ መገዱ
ካብ ኣፍ ሰይፍ ይወጽእ እሳት ዝነድድ
ብሰማይ ደመና ንሱ ዝመላለስ
ብዓቢይ ንእሽቶ ወትሩ’ዉን ዝውደስ………(ኣዝ)
ኣብ ልዕሊ ዝፋኑ ጽርሃ ኣርያም
ፍጥረት ዝግዝእሉ ንዘልኣለም
ናይ ምድሪ ነገስታት ዘውድኩም ኣልዕሉ
ንቅድስት ስላሴ ዕልል(2) በሉ……..(ኣዝ)
ዓቀን’ውን የብሉን ኣምላኽ ኣዶናይ
ምሉእ እዩ ብምድሪ ከምኡ’ውን ብሰማይ
ወሰን ዘይብሉ’ዩ ናይ ዓለም ግዝኣቱ
ክውደስ ይነብር ብኩሉ ፍጥረቱ…………(ኣዝ)
