መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ab Gze Merana | ኣብ ግዜ መርዓና

Added by Admin

ኣብ ጊዘ መርዓና ንኽትባርኽና
ጎይታ ጸዊዕናካ ብእምነት ኩላትና
ምስ ድንግል ማርያም ምስ ርህርህቲ ኣዴና
ምስ ኩሎም መላእኽቲ ንዓ ኣብ መርዓና
ምስ ኩሎም ሃዋርያት ንዓ ባርኽና
ምስ ኩሎም ፈተውትኻ ንዓ ኣብ መርዓና
ኣብ ቃና ገሊላ ከምዝተረኽብካ
ንዓ ኣብ ድንዃንና ኣምላኽ ጸዊዕናካ
ወረቐት ጻዊዕት ሰዲድና ንኽትመጸና
ንሰኻ ክብርና ፍቕሪ ናይ ገዛና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ንዒ ምስ ወድኺ ማርያም ኣዴና
ንኽትመልእልና ዝጎደለ ኣብ ገዛና
ንገርዮ ንወድኺ ዝጎደለ ክምልኣልና
በረኸት ናቱ ኢዩ ንገዛና ዝመልኣልና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ዝጎደለ ኹሉ እንዳመላእኽልና
ሓደራኺ ድንግል ማርያም ኣዴና
ነቶም ኣገልገልቲ ድንግል ንገርዮም
ጸውዕና ከይንሓፍር ሽሻይና ኣብዝሕዮ
- - - - ኣዝ - - - - - -