Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ab Gibtsi Berekha | ኣብ ግብጺ በረኻ

Added by Admin

ኣብ ግብጺ በረኻ ከርተት
ኣደ ኣማኒኤል ኪዳነ ምሕረት
ንወድኺ ክትብሊ ጸይርኪ
መከራን ስደትን ተዓጊስኪ
ከመይ ሓሊፍክዮ በረካ ናይ ሲና
ጽሚኢ ሃሩር ቁሪ ከምኡ’ውን ጉስቅልና
ከመይ ይገርም’ዩ ትህትና ናትኪ
ንወድኺ ክትብሊ መከራ ዝረኸብኪ
ኣዝ….
ዋላ ሓንቲ ሓጢያት ዘይብልኪ ንስኺ
ዘመድ ከም ዘይብሉ ሃገር ሃገር ዘይርኪ
እመብዙሃን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም
ትሕትናኺ ብዙሕ ለውሃትኪ ግሩም
ኣዝ….
ከም ክረምቲ ዝናብ ዘርዩ’ቲ ንብዓትኪ
ጎሮረኺ ነቒጹ ነቒዑ እግርኺ
ሓሳብኪ ንዑ’ዩ ንኩቡር ወድኺ
እቲ ርጉም ሄርዶስ ንኸይቀትለልኪ
ኣዝ….
ኣቤት ስደት ናትኪ ኣቤት መከራኺ
ኣነ ክካፈሎ ትድኹም ወድኺ
ስደት ዝግቦ ኣነ እንከለኹ
ግብረይ’ውን ምስ ሰይጣን ዝተሓባበርኩ
ኣዝ….
ምእመናን ኩላትኩም ጽን ኢልኩም ስምዑ
ቤዛዊት ዝኮነት ኣደ ኣላትኩም
በማልድነታ ንሕና እንተክሓድና
ናብ ሲና በረኻ ንሰዳ ኣለና
ኣዝ….