Ab Gete Semani | ኣብ ጌተ ሰማኒ
Added by Admin
ኣብ ጌተ ሰማነ ኣታኽልቲ ስፍራ /2/
ንዓና ኢሉ ጎይታ ረኸቦ መኸራ /2/
ኣዳምን ሄዋንን ዝሰርሕዎ ሓጢያት /2/
ንዓና ኔሩና ከቢድ ናይ ሞት ቅጽዓት /2/
መስቀል ተሸኺሙ ወረዶ መኽራ /2/
ኣይሁድ ገርፍዎ ኹሎም በብተራ /2/
ድንግል ኣይኸኣለትን ንብዓታ ኽትዓግት /2/
እንዳረኣየቶ ወዳ ኽንኸራተት /2/
ብኣምላኽነቱ እንከይፈረደሎም /2/
ከም’ዚ ኢሉ ጸለየ ኦ ኣቦይ መሓሮም /2/
ብረቂቕ ስልጣኑ ኹሉ ዝፈጠረ /2/
ብሰብ ተገርፈ ሞተ’ውን ተቐብረ /2/
ፍቕሩ ንኽገልጽ ተወልደ ብስጋ /2/
ኢየሱስ ጎይታና’ዩ ኣልፋን ኦሜጋ /2/
ኣማን በኣማን ኣማኑኤል ተመስገን
