Ab Bete Mekdeska | ኣብ ቤተ መቅደስካ
Added by Admin
ኣብ ቤተ መቅደስካ ዘዕበኻኒ
ንልቦና ጥበብ ዝሃብካኒ
ናይ ንእስነት ኣምላኽ ኣበይ ኣለኻ
ኣይትርሓቀኒ ሓደራኻ
ኣብ ሑጻ ዝቆመ ኮይኑ ቤተይ
ተነቃኒቁ መሰረተይ
ቲ ክፉእ ግብረይ እንዳዘከርኩ
ሎሚ ንበይነይ ኮይነ ኣለኹ
……..ኣዝ………
ነግራም ኮይነ እንበር ኣመጸኛ
ሓጢኣት ዘይፈርሕ ጉዳመኛ
ነብስይ ተዋረደት ብመከራ
መን የራክባ ምስ ኣምላኽና
…….ኣዝ……..
ወሃቢ ሰላመይ መድሃኒተይ
ፍቅርን ስኒትን ኣውሪዱለይ
ዓለም ከይትወስደኒ ከምዛ ዋዛ
ሓግዘኒ እባ ብቃላትካ
……..ኣዝ………
እቶም በደለኛታት ኩሎም መጹ
ምሕረት ፍቅርኻ እናሓሰቡ
ኣእዳውካ ዘርጊሕካ ሓቂፍካዮም
ሎሚ ብኣኻ ተፈዊሶም
………ኣዝ……….
